ሕግን፡ ቅድመኩነት ኣጠቃቅማ ኣዱላውያን (Terms and Conditions)


ጥሪ 12, 2024

ቅድሚ ኣዱላውያን ምጥቃምካ/ኪ ነዚ ሕግን፡ ቅድመኩነት ኣጠቃቅማ ኣዱላውያን ብምስትውዓል ኣንብቦ/ቢዮ።

ኣብዚ ሰነድ እዚ ዝተጠቀምናሎም ቃላትን ትርጉሞምን

እዘን ብድምቕ ዝበለ ቀለም ኣብ መጀመርያ ወይ ኣብ ማእከል ተጻሒፈን ዘለዋ ቃላት ኣብዚ ሰነድ እዚ ዝስዕብ ትርጉም ይህልወን ኣብ ካልእ ትርጉመን ብዘየገድስ።

ሃገር፡ ንማሳቹሰትስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ የምልክት።

ትካል ወይ ኩባንያ ወይውን ንሕናናትና ዝብሉ ቃላት ኣብዚ ሰነድ እዚ ንኣዱላውያን የምልክት።

መሻርኽትና እንብሎም ወይ ንሕና እንውንኖም፡ ወይ ናይ ሓባር ዋኒን ፤ ወይ ድማ ል ዕሊ 50% ኣብ ልዕለና ዋንነት ዘልዎም ኮይኖም ቦርድ ዳይረቶራት ክመርጹ ዝክእሉን ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ዘለዎም የጠቃልል።

መሳርሒ ነዚ ኣገልግሎትና ከርኢ ዝኽእል ከም ኮምፑተር ናይ ኢድ ቴለፎን (ሞባይል) ወይ ታብሌት የመልክት።

ኣቅሑት ኣብዚ ኣዱላውያን ንመሸጣ ዝቀርቡ ነገራል የመልክት።

ዝተኣዘዙ ኣቅሑት ኣብዚ ብኣኻ/ኺ ንዕድጊ ዝተጠልቡ ናትና ኣቅሑት የመልክት።

ኣገልግሎት ነዚ መርበብ ሓበሬታ የመልክት።

ሕግን፡ ቅድመኩነት ኣብ ሞንጎኻን/ኺን ኣብ ሞንጎ ኣዱላውያን፡ ንኣጠቃቅማ ኣገልግሎትና ዝተኣትወ ውዕሊ የመልክት።

መራኸቢ ብዙሓት ናይ ሳልሳይ ኣካል ኣገልግሎት መራከቢ ብዙሓት ብሳልሳይ ኣካል ዝቀርቡ (ሓበሬታ፡ፍርያት ኣገልግሎታት) የተቃልል።

መርበብ ሓበሬታ ን ኣዱላውያን የመልክት። ኣብ https://www.adulites.com/ ይርከብ።

ንስኻ/ኺ ውልቅሰብ ነዚ መርበብ ሓበሬታና ዝጥቀም ዘሎ፡ ወይ ትካል ወይ ሕጋዊ ወኪል ወልቀሰብ የመልክት።


ትሰማማዕ/ዒ

እዚ ሕግን ቅድመ ኩነትን ነዚ እንህቦ ኣገልግሎት ኣብ ሞንጎኻን/ኺን ኣዱላውያንን ዝቅይድ ናይ መሰልን ግቡእነትን ኣጠቃቅማ ኣገልግሎትናን ይወስን።

ንዚ መርበብ ሓበሬታን ክትኣቱን/ውን ኣገልግሎትና ክትጥቅም/ሚ እንተደሊሊኻ/ኺ ምስዚ ሕግን ቅድመ ኩነትን ክትሰማማዕ/ዒ። ሕግን ቅድመ ኩነትን ንኹሎም ብጻሕቲ እዚ መርበብ ሓበሬታን ተገልገልቲ ኣዱላውያን ይምልከት።እንተዘይትሰማማዕ/ዒ ኮንካ/ኪ ብኽብረትካ/ኪ ኣገልግሎትና ኣይትጠቀም/ሚ።

ነዚ ኣገልግሎትናይ ንምጥቃም ንስኻ/ኺ ብውሑድ 18 ዝዕድሚኡ ምዃንካ/ኪ ተረጋግጽ/ጺ። እዚ መርበብ ሓበሬታ ንትሕቲ ዕድመ ተባሂሉ ዝተዳለወ ኣይኮነን።

ነዚ ኣገልግሎትና ክትጥቅም/ሚ፡ ነዚ ሕግን ቅድመ ኩነትን፡ ዝእከብ ሓበሬታን ምቅባል ግድን ኢዩ። ሰነድ ዝእከብ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ካባኻ/ኺ እንእክቦ ውልቃዊ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ኣጠቃቅሙኡን፡ ብዛዕባ መሰልን ግቡእን ሕጊ ከመይ ጌሩ ከምዝሕልክወካ ይሕብር። ብኽብረትካ/ኪ ቅድሚ ኣገልግሎትና ምጥቃም ነዚ ሰነድዚ ብምስትውዓል ኣብንብቦ/ቢዮ።


ኣቅሑት ወይ ኣገልግሎት ምእዛዝ

ካብ ኣዱላውያን ኣቅሑት ወይ ኣገልግሎት እንተኣዘዝካ/ኪ፡ ልዕሊ 18 ዓመት ኰንካ/ኪ፡ ብሕጊ ውዕሊ ክትኣቱ/ትዊ ከም እትኽእል/ሊ ተውሕስ/ሲ።

ሓበሬታ ብዛዕባኻ/ኺ

ካብ ኣዱላውያን ኣቅሑት ወይ ኣገልግሎት እንተኣዘዝካ/ኪ፡ ሓበሬታ ብዛዕባኻ/ኺ ከም ስም፡ እመይል፡ቁጽሪ ተሌፎን፡ቁጽሪ ካርድኻ/ኺ፡ ዝወድቀሉ ዕለት፡ ኣድራኻኻ/ኺ ዝ ኣመሰሉ ክትሕተት/ቲ ንቡር ኮይኑ፡

እቲ ኣብ ካርድኻ ወይ ካልእ መኽፈሊ ትጥቀመሉ ሓበሬታ ቅኑዕን ሓቅን ከምዝኾነ፡ ንስኻ/ኺ ነቲ ካርድ ወይ መኽፈሊ ክትጥቀም ሕጋዊ መሰል ከምዘለካ ተውሕስ/ሲ። ነዚ ሓበሬታ ዝሃብካና ተጠቂምና ምስ ክፍሊት ካርድ ዘሳልጡ ትካላት ሓበሬታኻ/ኺ ሰዲድና ክፍሊትን ካልእን ከነሳልጥ መሰል ከምዘለናን ትርዳእ/ኢ።


ዝተኣዘዘ ኣቅሓ ምስራዝ

ዝተኣዘዘ ኣቅሓ ክትስርዝ/ዚ ምስ እትፍትን/ትኒ ናይ ምእባይ መሰልና ሕሉው ኮይኑ፡ ንሕና በዞም ዝስዕቡ ክንኣቢ ንኸእል፡ ኣብ ዝተኣዘዘ ወይ ምትላል ወይ ውን ዘይሕጋዊ ነገር እንተርኢና፡ ጌጋ ሓበሬታ ወይ ውን ግጉይ መግለጺ ኣቅሑት፡ ዋጋ ከም ኡውን ዘይምህላው ኣቅሑት።

ዝተኣዘዘ ኣቅሓ ናይ ምምላስ መሰል

ኩሉ ካብ ኣዱላውያን ዝተዓደገ ኣቅሑት በዚ ዝስዕብ ሕጊ ክምለስ ይከኣል። መሰል ምምላስ ዝሕሎ እቲ ኣቅሓ ከምቲ ዝተቀበልካዮ/ኪዮ ኣብ ጽቡቅ ኩነት ኮይኑ፡ ዝተበላሸወ ንብረት ግን ኣይምለስን። ነቲ ብጽቡቅ ኩነታት ኣብ ኢድና ዝበጽሐ ኣቅሓ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት በቲ መዓደጊ ዝተጠቀምካሉ ናብኡ ይምልስ።

እዞም ዝስዕቡ ኣቅሑት ግን ክምለሱ ኣይከኣልን ኢዩ። ንዓኻ/ኺ ብፍሉይ ወይ ብስምካ/ስምኪ ዝተሰርሐ፡ ናይ ጥዕና ጸገም ከኸትሉ ዝኽእሉ፡ ወይ ምስ ተኸፍቱ ኣብ ቦትኦም ክምለሱ ዘይክእሉ፡ ከምኡውን ድጅታል ትሕዝቶ የጠቃልል።

ምህላው ኣቅሑትን ጌጋ ሓበሬታን

ናይ ኣቅሑትን እንህቦምን ኣገልግሎትን ሓበሬታ ወላኳ ከነማሓይሾም እንተፈተና፡ ኣቅሑት ዘይዋግኦም ወይ ጌጋ ሓበሬታ እንተረኽቦ፡ ወይ ውን ቀረብ እንተተሳእነ፡ ምድንጓይ እንተጋጠመ ኣዱላውያን ብሓላፍነት ከምዘይሕተት ነፍልጥ። ዋጋታት ምቅያር፡ ስእሊ ኣቅሑት ምህላው ቀረብን ኣገልግሎታት ኣዱላውያን ብዘይ ዝኾነ ሓበሬታ ኣዱላውያን ክቅይር ምኳኑ ትሰማማዕ/ዒ።

ናይ ዋጋታት ፖሊሲ

ኣዱላውያን ዋጋታት ናይ ምቅያር መሰሉ ሕሉው ኢዩ። እቶም ዝተገመቱ ዋጋታት፡ ወይ ብናይ መንግስቲ ውሳነ፡ ናይ መራኸቢ ዋጋታት ናህሪ፡ ፍልልይ ግብሪ፡ ናይ መልኣኺ ዋጋ ናህሪ፡ ዋጋ ሸርፊ ከምኡውን ዝኾነ ካብ ቁጽጽር ኣዱላውያን እንተኾነ ዋጋ ከምነብዝሖ ንሕብር።

ክፍሊት

ኩሉ ኣብ ኣዱላውያን ዝተዓደገ ኣቅሑት፡ ብዝተፈላለዩ መኽፈሊ ኣገባባት ከም ቪሳ፡ ማስተርካርድ፡ ኣፊኒቲ ካርድ፡ ኣሜሪካን አክስፕረስ ወይውን ከም እኒ ፓይፓል ዝኣመሰሉ ይካየድ።

መኽፈሊ ካርድታት ወይውን ናይ ባንኪ ካርድታት ከነረጋግጾም ትሑዛት ኢና። እቲ ዝግባእ መረጋገጺ እንተዘይረኺብና ብምድንጓይ ዝተኣዘዘ ኣቅሑት ብሓላፍነት ኣይንሕተተን።


ንብረት ኣእምሮ

እዚ ኣገልግሎት ኣዱላውያን፡ መበቆላዊ ትሕዝትኡን ንብረት ኣዱላውያን ኢዩ። እዚ ኣገልግሎት ኣዱላውያን ብሕጊ ኮፒ ራይት፡ ሕጊ ንግዲ ካልኦት ሕግታት ናይዚ ሃገርን ካልኦት ሃገራትን ዝተሓለወ ኢዩ። ብጽሑፍ ዝውሃብ ፍቃድ ኣዱላውያን እንተዘይኮይኑ፡ ንብረት ናይ ኣዱላውያን ብዘይ ፍቃድ ምጥቃም ብሕጊ የትሕዝ።

ናብ ካልኦት መርበብ ሓበሬታ ዝመርሕ መተኣሳሰሪ

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣዱላውያን ናብ ካልኦት ዝመርሕ መተኣሳሰሪ (link) ኣሎ። እዘን ካብ ቁጽጽር ኣዱላውያን ወጻኢ ዝኾና ኩባንያታት ዝእክብኦ ሓበሬታን ብኡኡ ክሰዕብ ዝክእል ጉድኣት፡ብቀጥታ ወይውን ብተዘዋዋሪ፡ ኣዱላውያን ብሓላፍተት ኣይሕተተን። ናይ ካልኦት መርበብ ሓብሬታ ቅድሚ ምጥቃምካ/ኪ እቲ ሕጋዊ ኣጠቓቅማ ከተንብብ/ቢ ንላቦ።

ኣገልግሎት ምዕጻው

እዚ ሕጋዊ ኣጠቃቅማ ኣዱላውያን ሕጊ እንተጥሒስካ/ኪ፡ ንኣገልግሎትና ንኸይጥቀም ብዘይ ዝኾነ መጠንቀቅታ፡ ወይውን ተሓታትነት ክን ዓጽወካ/ኪ ምዃኑ ነፍልጥ።

ናይ ተሓታትነት ውሕስነት

ዘጋጥም ሓደጋ ብዘየገድስ፡ ኣዱላውያንን ኣገልግሎት ዝህቡና ትካላትን፡ በቲ ዝዓደግካዮ ትካል መድሕን ይሽፈን ወይ ድማ $100 ይድረት መድሕን እንተዘይዓዲካ/ኪ። ኣዱላውያንን ኣገልግሎት ዝህቡና ትካላትን በቲ ዝለዓለ ክፍሊት ተሓተቲ ኣይኮኑን። ሓደጋታት ዘጋጥሙ፡ ከም መኽሰብ ምጉዳል፡ ሓበሬታ ምጥፋእ፡ ናይ ስራሕ ምቁራጽ፡ መጉዳእቲ ሰራሕተኛ፡ ውልቃዊ ሓበሬታ ምቅላዕ፡ ወዘተ የጠቃልል። ከምኡውን መርበብ ሓበሬታታት ከም ፈይስቡክ ትዊተርን ካልኦትን፡ ዘስዕብዎ ሓደጋታት፡ ወላኳ ኣዱላውያን እዞም መርበብ ሓበሬታታ ሓደጋታት ከምዘስዕቡ መሰማዕታ እንተበጽሖን፡ ነቲ ሽግር ክፈትሖ እንተዘይከኣለ፡ ኣዱላውያንን ኣገልግሎት ዝህቡናን ብሕጊ ኣይሕተቱን።

ገሊኤን ሃገራት ናይ ተሓታትነት ውሕስነት ስለዘየፍቅዳ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተባህለ ኣይሰርሕን ኢዩ። ኣብ ከምዚኤን ዝኣመሰላ ሃገራት ናይ ነፍሲወከፍ ኣባል ሓላፍነት እቲ ሕጊ ሃገር ዝወሰኖ ይኸውን።

ሕጊ 'ከምዘለዎ' ወይ 'ከምዝጸንሖ'

እዚ ኣገልግሎት ኣዱላውያን ከምዘለዎ ወይ ከምዝጸንሖ ዝቀርብ ኣገልግሎት ኢዩ ምስ ኩሉ ጉድለታቱ ብዘይ ዝኾነ ውሕስነት። ኣዱላውያንን ኩሎም ወሃብቲ ኣገልግሎትን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝኾነ ውሕስነት ከምዘይህብ፡ ከምዘየተንብህ ይረጋግጽ። እዞም ውሕስነት ዘይንህበሎም ከም እኒ ኣቅሑት ንግዲ ምህላው፤ ንሓደ ኣቅሓ ንሓደ ወይ ካልእ ነገር ከምዘገልግል፡ እቲ እንህቦ ኣገልግሎት፡ ኣቅሑት ትጽቢታት ከማልእ ውሕስነት ኣይህብን። ከምኡ ውን ናይ ሶፍትወርን መሳለጢታት ኮምፕቲተር ለውጢ እንተጋጠመ ኣዱላውያን ብዘይ ምቁራጽ ኣገልግሎት ክህብ ውሕስነት ኣይኣቱን።

ስለዚ ኣዱላውያንን ወሃብቲ ኣገልግሎታት ኣዱላውያንን 1- ነዚ ኣገልግሎት ብዘይ ምቁራጽ ክህብ 2. ካብ ጌጋ ነጻ ኮይኑ ክርከብ 3- ካብዚ ኣገልግሎትና ዝተሰደ ኢመይላት ካብ ቫይረስን ካልኦት ጎዳእቲ ጽሑፋትን እንተተረኽቦ ብሓላፍነት ኣይሕተትን።

ገሊኤን ሃገራት ናይ ተሓታትነት ውሕስነት ስለዘየፍቅዳ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተባህለ ኣይሰርሕን ኢዩ። ኣብ ከምዚኤን ዝኣመሰላ ሃገራት ናይ ነፍሲወከፍ ኣባል ሓላፍነት እቲ ሕጊ ሃገር ዝወሰኖ ይኸውን።


ገዛኢ ሕጊ

ሕጊ ሃገር፡ ነቲ ሕጊ ተጋራጨውቲ ሕግታት በዚ ሕግን ቅድመ ኩነትን ኣዱላውያን ተተኪኡ፡ ንኣዱላውያን የካይድ። ከምኡውን ንኣገልግሎት ኣዱላውያን ምጥቃም ሕግታት ዞባ፡ ሃገርን ዓለምለኻዊን እወን የጠቃልል።

ምፍታሕ ዘይምርድዳእ

ምስ ኣዱላውያን ዘይምርድዳእ እንተኣጋጠመ፡ መጀመርያ ንዓና ብምውካስ ከትፈትሖ/ሕዮ ትሰማማዕ/ዒ።

ነበርቲ ኤውሮጳ

ነበርቲ ኤውሮጳ በቲ ሕግታት ኤውሮጳ ተጠቀምቲ ይኾኑ።

ሕጊ ንግዲ ኣሜሪካ ምምእዛዝ

ኣባል ደገፍቲ ግብረሽበራ ዘብሃሉ ሃገራትን፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝኸልከሎም ፓርቲ ከምዘይኮንካ ተውሕስ።

ካሕሳን ብየናን

ካሕሳ

እንተደኣ ሕጋዊ ኣጠቃቅማ ኣዱላውያን ኣብ ክፍጸመሉ ዘይክኣል ኩነት እንተረኺቡ፡ እቲ መሰልን ውሕስነት ኣዱላውያን በቲ ኣብ ሕጊ ዝርከብ መሰል ይሕሎ።

ብየና

ብዘይካ ኣብዚ ዝተገልጸ፡ መሰል ሕጋዊ ኣጠቃቅማ ኣዱላውያን እንተዘይተረጋጊጹ፡ ናይ ኣዱላውያን መሰል ኣይድረትን። ከምኡ ውን ካብዚ ሕጋዊ ኣጠቃቅማ ኣዱላያን ብያነ ንመሰል ኣዱላውያን ኣይገትእን።

ትርጉም

ሕግን ቅድመ ኩነትን ኣጠቃቅማ ኣዱላውያን ተተጒሙ ኣብዚ ቀሪቡ ዘሎ ንዓኻ ጠቅሚ ተባሂሉ ኢዩ። ኣብ ናይ ትርጉም ዘይምርድዳእ ኣብ ዘጋጥመሉ እቲ ሕጊ ዝተጻሕፈሉ ቋንቋ እንግሊዝ ይቅድምን ይስዕርን።

ለውጢ ንሕግን ቅድመ ኩነትን ኣጠቃቅማ ኣዱላውያን

ኣዱላውያን ኣብ ዝጠዓሞ ነዚ ሕግን ቅድመ ኩነትን ኣጠቃቅማ ኣዱላውያን ከመሓይሽ፡ ክቅይር መሰሉ ሕሉው ኢዩ። ብዝተኻእለና መጠን ኣቀዲምና ክንሕብር ኢና። ኣየናይ ለውጢ ወይ ምምሕያሽ የድልዮ ንኣዱላውያን ይምልከት።

ነዚ ኣገልግሎትና ክትጥቀም/ሚ ምስዚ ኣብ መጻኢ እንመሓይሾ እንቅይሮ ትስማማዕ/ዒ። ምስዚ ሕግን ቅድመ ኩነትን ኣጠቃቅማ ኣዱላውያን ብኸፊል ወይ ብምሉኡ ዘይቲሰማማዕ/ዒ እንተኮንካ/ኪ ብኽብረትካ/ኪ ኣገልግሎትና ምጥቃም ኣቋርጽ/ጺ።


** ክትውከሱና**

ሕቶ ብዛዕባ ሕግን ቅድመ ኩነትን እንተሎ፡

ብኢመይል፡ support@adulites.com

ኣብ መርበብ ሓበሬታና ዘሎ ተወከሱና ዝብል ገጽ፡ https://www.adulites.com/contact/

ክትረኽብቡና ይክኣል