13. ቤተ መቕደስ ቀዳማይ

ዶር. ዳኒኤል ሃብተሚካኤል
ናብ ሌላ፡ምስ፡ኣዱሊስ ተመለሱ
Stacks Image 1854
ምርምር ስነ-ጥንቲ

13. ቤተ መቕደስ ቀዳማይ


ቤተ መቕደስ ቀዳማይ ኣብ ትርብዒት D3 ይርከብ(ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ካርታ ብቁጽሪ 13 ተኽቢቡ ዘሎ ተመልከቱ)። እዚ ቤተ መቕደስ እዚ ኣብ ማእከል 49.94 ሜትሮ ዝንውሓቱ 33.86 ዝግፍሑ ርቡዕ ኩርናዕ ተደኲኑ ናይ ኣዱላውያን ቅድሚ ክርስትና ዝነበሮም እምነት ማእከል ኢዩ።



ክርስትና ኣብ ኣዱሊስ ምስ ኣተወ ኣብ ልዕሊ እዚ ናይ ቅደም ቤተመቕደስ ናይ ቤተክርስቲያን ቅዲ ኣተሓናንጻ ከምዝወሰኹሉ መርትዖታት ስነጥንቲ ይሕብሩ። ቤተ መቕደስ ቀዳማይ ብብዙሓት ሕንጻታት ኣስታት 15 ዝኾኑ ዝተኸበ ኢዩ።


ቤተ መቕደስ ቀዳማይ ብትሑት ደረጃ ዝተሰርሑ ብዙሓት ገዛውቲ ተኸቢቡ፡ ካብቲ ኣብኡ ዝተሰነደ ኣቕሑት ከምዝተገንዘብናዮ ብልዑል ሞያዊ ክእለት ዝፈርዪ መሳቕል ጳጳሳት፡ መስርሒ ሰልዲ ኣዱላውያን ዝኣመሰሉ ዝተረኽቦ ኢዩ። ብዛዕባ እዞም ኣብዚ ዝተረኽቡ መሳቅል ጳጳሳትን፡ መስርሒ ሰልዲ ኣዱላውያን ኣብ ዝቕጽል ጽሑፋትና ክንመጾም ኢና፡፡ ናይ ሕጂ ዕላማና ግን ሌላ ምስ ቤተ መቕደስ ቀዳማይ ኣዱሊስ ስለዝኾነ።


1. ቅርጽን ኣሰራርሓን ቤተ መቕደስ ቀዳማይ


ቤተ መቕደስ ቀዳማይ ኣብ ምድርቤት ክልተ መስርዕ ኣዕኑድ ኣርባዕተ ብየማን ኣርባዕተ ብጸጋም ሰሪዑ ኣብ ኣርባዕተ ሜትሮ ናሕሲ መሰረት ደምዲሙ ቀዳማይ ደርቢ ይጅምር (ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ስእሊ ተመልከቱ)።


ኣብ ቀዳማይ ደርቢ ቤተ መቕደስ ቀዳማይ ክልተ መሰርዕ ኣዕኑድ ነፍስወከፍ መስርዕ ሓሙሽተ ኣዕኑድ ይሰርዕ። እንተኾነ ግን እተን ሰለስተ ነዋሕቲ ኮይነን ንናሕሲ ክበጽሓ ከለዋ፡ እተን ብወገን ምዕራብ ዘለዋ ግን ሕጽር ኢለን ወይ ንመነኮሳት ወይ ንመሳፍንቲ ብመሳልል ዝድየብ ቦታ ንዑኡ ይድግፋ (ኣብ ላዕሊ ብየማን ዘሎ ሰእሊ ተመልከቱ)። ብወገን ምብራቕ ልከዕ ከምቲ ናይ ምዕራብ ብመሳልል ዝድየብ ቦታ ኣለዎ እንተኾነ ኣብ ክንዲ በዕኑድ ብመንደቕ ዝተደገፈ ኢዩ።


ቤተ መቕደስ ቀዳማይ ክልተ መሳልል ኣለውዎ፡ እቲ ደቡባዊ ንመእተዊ ከገልግል ከሎ እቲ ሰሜናዊ ናብ ምድሪቤት መውረድን መደየብን የገልግል። ቤተ መቕደስ ቀዳማይ 7 ሜትሮ ዝንውሓቶም ሰለስተ ኣዕኑድ ንሰማይ ወንጪፉ ብባላታት ኣመሳቒሉ ናሕሲ ደጊፉ ይዛዝም።