መጀመርያ ምስ ጥንታዊት ኣዱሊስ ከነላልየኩም ፍቐዱልና። ኣብ ዘመን ኣዱሊስ ኤርትራውያን፡ ቅድሚኡ ይኹን ድሕሪኡ ዘይተራእየ ኩሉንተናዊ ምዕባለ ዜመዝገቡሉ፡ ዘመን ኢዩ። መዋእል ኣዱላውያን ካብ 1000 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ (ቅ.ል.ክ) ክሳብ 700 ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ (ድ.ል.ክ) ይዝርጋሕ። እቲ ምርኡይ ግዜ ግን፡ ካብ 400 ቅ.ል.ክ ክሳብ 500 ድ.ል.ክ ከምዝነበረ መርትዖታት ስነ-ጥንቲ ይሕብሩ። እዚ መስተንክራዊ መዋእል ቀዳሞት ኤርትራውያን፡ ኣብ ኣዱሊስ ናይ ሕንጻታት ኣስር ገዲፉ ሓሊፉ። እዚ ኣሰር ሕንጻታት'ዚ በዚ ኣብ ጊዜና ተበጺሑ ዘሎ ዝተራቐቐ ናይ ስነ-ጥንታ መጽናዕትን ምርምርን፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማሳቹሰትስ-ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብዶር. ዳኒኤል ሃብተሚካኤል ዝተባህለ ኤርትራዊ ስለዝተጸንዔ ናባኻትኩም ኤርትራውያንን፡ካልኦት ግዱሳትን፡ ነቕርቦ።
እዚ ኣብ ታሕቲ እትርእዮ ካርታ ኣዱሊስ ኢዩ። ኣብዚ ካርታዚ 20 ኣሰራት-ሕንጻ (building plans) ብሰማያዊ ሕንጻጽ ተኸቢቦም፡ ቁጽሪ ተዋሂብዎ (ካብ 1 ክሳብ 20) ኣሎ። እዚኣቶም ናይ ጥንታዊት ኣዱሊስ፡ ቀዳሞት ኤርትራዋያን ዝሓነጽዎም፡ ሕንጻታት ኢዮም። ኣብ ልዕሊ ኣስራት-ሕንጻ (building plans) እንተዘንቢኻ (ኣብ ሞባይል ጠውቆ) ስእልን ኣስማትን ሕንጻታት ኣዱሊስ ኣለዎ።ንኣብነት ኣብ ትርብዒት D4 ብቁጽሪ 12 ተኸቢቡ ዘሎ፡ ኣሰር ባይቶ ኣዱላውያን ኢዩ፡ ባይቶ ኣዱላውያን ልዕሊ 24 ግዝኣት ቀርኒ ኣፍሪቃን ስግር ቀይሕ ባሕርን ዝተወከሉሉን ዝተማሓደሩሉን ሕንጻ ኢዩ። ከምኡውን ኣብ ትርብዒት D3 ብቁጽሪ 13 ተኸቢቡ ዘሎ ኣሰር ቀዳማይ ቤተመቅደስ ኣዱሊስ ኮይኑ ቅድሚ ክርስትና ንዝነበረ እምነት ቀዳሞት ኤርትራዋያን ቀንዲ መዋፈሪን ማእከልን ነበረ። እዚ ካርታ ጥንታዊት ኣዱሊስ፡ ኣብ ስነፍልጠታዊ ምርምር ዝተሰረተ ስለዝኾነ፡ ከረጋግጽ ዝደሊ በዚ ተዋሂቡ ዘሎ ዓቀናት ላቲቱዩድን (ካብ ጸጋም ንየማን ተሓንጺጾም ዘለዉ) ሎንጊቱድን (ካብ ታሕቲ ንላዕሊ) ኣብዚ ጊዜና ብቀሊሉ ክርከብ ዝክኣል ናይ መማእዘኒ መሳርሒ (GPS) ጌርካ ነዘን ኣሰራት ክርክብን ክረጋገጽን ይከኣል።
ኣብ ቀዳማይ ስጉሚ ሌላ ምስ ጥንታዊት ኣዱሊስ፡ ኣብ ካርታ ጎልጎል ኣዱሊስ ዝተዘርግሑ 20 ሕንጻታት ስለዝቀንዔ፡ ዝቅጽል ምስ ነፍሲወከፍ ሕንጻ ምልላይ ይኸውን። ነዚ ንምትግባር ኣብ ጎኒ (ታሕቲ ኣብ ሞባይል) ልክዕ ከምቲ ኣብካርታ ዝተገንዘብካዮ/ኪዮ ሕንጻታት ኣሎ። ነዚ ሕንጻታት እንተጠዊቅካ/ኪ ብዛዕባ እቲ ሕንጻ ሓጺር መግለጽን፡ ኣሳእልን ይርከቦ። ስእሊ ሕንጻታት ኣዱሊስ ከምዚ ሕጂ ኣብ ኣዱሊስ ዘሎ ዓንዩ፡ ሓንሳብ ሓንሳብውንሲ መሰረት ጥራይ ዝርኤ ዘይኮነስ፡ ከምቲ መጀመርታ ክስራሕ ከሎ፡ ወይ ድማ ውዱእ መልክዑ ሒዙ ኢዩ ቀሪቡ ዘሎ። ብኸመይ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ዑናታት ኣዱሊስ ናብዚ ሰእሊ ሕንጻታት በጺሕኩም ንዝብል ሕቶ፡ ነዊሕ ጊዜ ዝወሰደ ስነ-ጥንታዊ ምርምር ስለዘሎ፡ ኣብ ዝመጽእ ጊዜ በብግዚኡ ከነቅርቦ ኢና። ሕጂ ምስ ኣዱሊስን፡ ኣሰራት ቀዳሞት ኤርትራውያን ናይ ምልላይ ጊዜ ስለዝኮነ። ኩለን እዘን ሕንጻታት ምስተበጽሓ ቀዳማይ ሌላኻ/ኺ ምስ ኣዱሊስ ዕውት ይኽውን። እዘን 20 ሕንጻታት ኩለን ክትበጽሔን/ሕየን ነተባብዕ።ምኽንያቱ ኣብ ኣዱሊስ ካብ ትሕቲ መሬት ጌና ተዃዒቱ ዘይወጸ ካብዚ ዝበዝሕ ሕንጻታት ከምዘሎ ብትሕቲ መሬት ሓሊፉ ዘርኢ ራዳር (Geophysical Surveying) ጌርና ኣረጋጊጽና ኢና።ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ሰእሊ ተመልከት/ቲ። እዘን 20 ሕንጻታት፡ ኣብዚ እዋን ንመንባብሮን ምዕባለን ቅዳሞት ኤርትራውያን ወከልቲ ኢየን ኢልና ንኣምን። ንኹሉ ካብዚ ቀጺሉ ዝቀርብ ታሪኽ ቀዳሞት ኣዱላውያን እዘን ሕንጻታት መሰረት ስለዝኾና ኣብዚ መጀመርያ ነቅርቦ።