ሕንጻ 7 ኣብ ትርብዒት B2 ዝርከብ ኮይኑ፡ ካብቶም ምዕሩጋት ሕንጻታት ኣዱሊስ ኢዩ። ሕንጻ 7 ብቕርጺ ፊደል ረ ተነዲፉ፡ ሰለስተ መ እተዊ ዘለዎ ሕንጻ ኢዩ።ሕንጻ 7 ሰለስተ መእተዊ ሃሊዩዎ፡ እቶም ብወገን ደቡብን ምዕራብን ዝርከቡ ንቀዳማይ ደርቢ ዘምርሑ ኮይኖም እቲ ብሰሜን ዝርከብ መእተዊ ምድሪ ቤት ኢዩ።
ንቀዳማይ ደርቢ ዝስከሙ ኣርባዕተ ኣዕኑድ ኣብ መትከሊ ተተኺሎም ኣብ ምድርቤት ይርከቡ። ኣብ ልዕሊ እዞም ኣዕኑድ ንሰሜን ደቡብ፡ ምብራቅ ምዕራብ ዝተማሳቀሉ ባላታት ንቀዳማይ ደርቢ ይስከምዎ። ናብ ቀዳማይ ደርቢ ንምእታው ክልተ መሳልላት ኣለው። እቲ ብወገን ደቡብ ዘሎ መሳልል ውቁብ ኮይኑ ዕላዊ መእተዊ ኢዩ።
ሕንጻ 7 ክልተ መሳኹቲ ብወገን ደቡብ፡ ሰለስተ መሳኹቲ ከኣ ብወገን ሰሜን ይርከብዎ። ሕንጻ 7 ካብቲ ፍሉይ ዝገብሮ፡ በቲ ዝለዓለ ሞያዊ ክእለት ዘድልዮ ዓይነት ኣነዳድቃ ተሰሪሑ። እዚ ዓይነት ኣነዳድቃ ኣብ ኣብያተ መቅደሳትን ክቡር ሕንጻታትን ዝርከብ ኢዩ።